ናይ ወላዲ ሓበሬታ (Tigrinya)

ናይ ወላዲ ሓበሬታ

Tigrinya

ብሄራዊ ናይ Zukunftstag – ናይ መሰረታዊ ነገራት መጠቓለሊ ሓሳብ

ብዙሓት ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ናይ ሞያ ስልጠናታትን ስራሕቲን ሕዚ እውን ብኣብዝሓ ብደቂ ኣንስትዮ ወይ ድማ ብተባዕትዮ ተመራጺነቱ ቀጺሉ ኣሎ። እዚ ንምስትኽኻል፣ ኣማኢት ኦፕሬሽናት፣ ድርጅታትን ናይ ትምህርቲ መሳለጢያታትን ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ነዚ ብሄራዊ ናይ Zukunftstag ክፍቲ፣ ኣብ ጾታ ዘይተመርኮሰ ስራሕን ናይ ህይወት ትልሚን ኣብ መንጎ መናእሰይ ንምብርትታዕ በሮም ከፊቶም ኣለዉ።

ካብ ክፍሊ 5 ክሳብ 7 ዘለዉ ቆልዑ ካብ ውልቃዊ ከባቢኦም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክመስሉ ወይ ኣብ መዘናጋዕቲ ፍሉያት ፕሮጀክትታት ክሳተፉ ይኽእሉ። “ኣመለኻኽታ ምቕያር” ብዝብል ጭርሖ መሰረት፣ ንሓደ ጾታ ጥራሕ፣ ናይ ስራሕን መንበሪ ቦታን፣ ሰራሕ፣ ዘይውክል ሞያታት ክረኽቡ ክኢሎም፣ ዝቐርቡሎም ብዙሓት መማረጺታት ብምምሃር።

ናይ ፕሮግራም ሓፈሻዊ ርኢቶ

ካብ 5, 6, ወይ 7 ኣብ ሓዲኦም ዝመሃር ቆልዓ ኣለኩም ድዩ? ካብ ብዙሓት መገዲታት ሓዲኡ ኣብ ናይ Zukunftstag ናይ ምስታፍ ዕድል ተጠቀሙ:

1. መሰረታዊ ፕሮግራም: ቆልዑ ኣብ ስራሕ ኣብ ጥቕኦም ንዘሎ ሰብ ይመሳሰሉ

ሓቢርካ ትሰርሐሉ ሰብ ኣብ ምምራጽ ንሓደ ጾታ ዘይውክል ሞያ ምፍላጥ ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ:

  • ኣዋልድ ኣብ ከባቢአን ብዙሓት ሰብኡት ኣብ ዝሰረሑሉ ቦታ ዝሰርሕ ሞያ ምስ ዘለዎ ሰብ ክሰርሓ ይግበራ። እዚ ኣቦአን፣ ኣባለጋአን፣ ወይ ጎረቤተን ክኸውን ይኽእል።
  • ተባዕትዮ ኣብ ከባቢኦም ብዙሓት ኣዋልድ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ዝሰርሕ ሞያ ዘለዎ ሰብ ክሰርሑ ይግበሩ። ኣዲኦም፣ ሓትንኦም፣ ወይ ጎረቤቶም ክኾና ይኽእላ።

2. ፍሉያት ፕሮጀክትታት: ናይ ህጻናት ተሳትፎ ኣብ ፍሉይ ፕሮጀክት

ብዙሓት ኦፕሬሽናት፣ ትካላትን ትምህርታዊ ትካላትን ናይ Zukunftstag ፍሉይ ፕሮግራማት የካይዱ ኣለዉ፣ ቆልዑ ንሓደ ጾታ ጥራሕ ዘይውክል ሰራሕቲ ክረኽቡ ብምዕዳም። ትሕት ክትብሉ ውላድኩም ክሳተፈሎም ዝኽእሉ ፍሉያት ፕሮጀክትታት ምርካብ ትኽእሉ:

ተግባራዊ ሓበሬታ ኣብ ተሳትፎ

ኣብ ትካልኩም

ንውላድኩም ኣብ ናይ መጻኢ መዓልቲ ናብ ስራሕ ሒዝኩሞ ትኽእሉ ዲኹም ኣይትኽእሉን ንትካልኩም ሕተቱ ድሕሪኡ ንመሳርሕቲኹም ሓብሩ። ኣዝዮም ብዙሓት ትካላት ነዚ Zukunftstag ናይ ዓመታዊ ፕሮግራማቶም ሓደ አካል ጌሮምዎ ኣለዉ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ

ናይ ውላድኩም ክላስ ኣብዚ Zukunftstag ክሳተፍ ይሓስብ እንተልዩ ነቲ ቤት ትምህርቲ ሕተቱ። ዘይሳተፍ እንተኾይኑ፣ ንውላድኩም ክፍሊት ሕቶ ክተቕርቡ ትኽእሉ። ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ዝተፈላለዩ ናይ ተሳትፎ ረቛሒታት ኣለዎም። ኣብዚ Zukunftstag ዘይሳተፉ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝጸንሑ ቆልዑ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ውሽጣዊ ፕሮጀክትታት ናይ ምስታፍ ዕድል ኣለዎም።

ናይ ፕሮጀክት-መዓልቲ መዋቕር

ውላድኩም ቅድሚ እዚ Zukunftstag ዓርሱ ክኢሉ ክፍትኖ ዝኽእሎ እንታየ ስራሕ ክህሉ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ኣእትዉ። ቼክሊስት እዚ መዓልቲ እዚ ኣብ ምድላው ክሕግዘኩም ይኽእል።

ቃለ መሕተት

ንመሳርሕትኹ ብወላድኩም ቃለ መሕተት ክግበረሎም ይደልዩ ድዮም ኣይደልዩን ሕተቱ። እዚ Zukunftstag ቆልዑ ብዛዕባ ናይ ስራሕ መማረጺታቶም ብዝሓነት ንክመሃሩ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ስለዚ፣ ብናይ ውላድኩም ኣረኣእያ ንጾተኦም ዘይውክል ስራሕ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ ኣብ ዝሓስቦ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ ንምርካብ ፈትኑ። እዚ ዌብሳይት ናይ ቃለ መሕተት ቴምፕሌት ይሓትት

ናይ Zukunftstag ሓተታ

ውላድኩም እዚ ናይZukunftstag ሓተታ ኣብ ናይቲ ፕሮጀክት መዓልቲ መወዳእታ ኣጠናቒቑ ናብቲ ናይ ብሄራዊ Zukunftstag ቤት ጽሕፈት ከረክቦ ግበሩ

ካልኦት ንጥፈታት ኣብ ናይ ስራሕ መማረጺታት

ውላድኩም ክፍቲ ናይ ሰራሕ ምርጫ ንክህልዎ ካልኦት መማረጺታት ኣለዉ ካብ ኣብ መሰረታዊ ፕሮግራማት ወይ ፍሉይ ፕሮጀክት ምስታፍ ብተወሳኺ። ናይ ጸወታታት፣ ሰነዳትን ምድላዋትን ሓበሬታ ኣብ ሊንክታት ምርካብ ይከኣል።

ርክብ

ናይ Zukunftstag ጉጅለ ክህልውኹም ዝኽእሉ ሕቶታት ደስ እንዳበሎ ክምልሰልኩም እዩ።

ተሌፎን: 041 710 40 06
ኢመይል: info@nationalerzukunftstag.ch

Noch
Fragen?

Antworten finden

Der Zukunftstag findet jeweils am zweiten Donnerstag im November statt. Nächster Termin ist der Donnerstag, 14. November 2024. Weitere Daten finden Sie hier.

Es ist wichtig, den Zukunftstag von einem normalen Berufsschnuppertag zu unterscheiden. Am Zukunftstag steht das Entdecken geschlechtsuntypischer Berufe und Tätigkeiten im Fokus. Ziel ist es, eine ausgewogene Vertretung von Frauen und Männern in der Berufswelt zu fördern. Kinder und Jugendliche werden ermutigt, Ausbildungen und Berufe in Betracht zu ziehen, in denen ihr Geschlecht bisher untervertreten ist. Deshalb sind die Angebote nach Geschlecht aufgeteilt. Wir berücksichtigen das Geschlecht, mit dem sich das Kind identifiziert: Für trans oder non-binäre Schüler:innen und deren Eltern steht das Team der Geschäftsstelle des Zukunftstags bei Bedarf gerne beratend zur Seite.

Der Zukunftstag richtet sich an Schülerinnen und Schüler der 5. bis 7. Klasse. Je nach Kanton, Spezialprojekt und Angebot gelten abweichende Teilnahmebedingungen.

Der Zukunftstag findet in Zusammenarbeit mit den Schulen statt, jedoch liegt es in deren Ermessen, welche Schulstufe am Zukunftstag teilnehmen darf. Je nach Kanton gelten andere Teilnahmebedingungen. Nicht bei allen Schulen ist der Zukunftstag im Jahresplan integriert. Am besten bei der Klassenlehrperson nachfragen und allenfalls das Dispensationsgesuch ausfüllen.

Die Eltern sind für den Hin- und Rückweg der Kinder verantwortlich. Bei den Spezialprojekten werden sie betreut. Einzelne Betriebe und Unternehmen bieten Programmpunkte für Eltern an.